Home | About us | Mission Statement | News & Events | Press & Communications

ReportsLinks | Contact us | Documents  |  Achievements  | Support EHDR-UK

 

PRESS RELEASE

 

ኣብ ፌስቲቫላት ህግደፍ ዝኽፈል ዶላር 

ንህዝብና ሓሳር !

ፌስቲቫል ማለት በቲ ሓቀኛ ትርጉሙ፡ ሓባራዊ ዓመታዊ ባህላዊ ንግደት ማለት ኢዩ። ፌስቲቫል ማለት፡ ዜጋታት ንሓድሕዶም ተራኺቦም ብናጻን ብዘይስክፍታን ብጉዳይ ሃገሮም ህዝቦምን ዝዝትዩሉ፡ ባህሎምን ልምዶምን ዝዕቅቡሉን ንኸባቢኦምን ጎሮባብቶምን ዘላልዩሉን፡ ማሕበራዊ ዝምድናታቶም ዘደልድልሉ፡ መጻኢ ዕድላቶምን ዕድላት ደቆምን ዘጣጥሑሉ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ተሃድሶ ዝገብሩሉ፡ ንግደት ኪበሃል ይከኣል ኢዩ ።

ፌስቲቫል ህግደፍ ግን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣምራት ፌስቲቫል ኣዚዩ ዝረሓቐ ኮይኑ፡ ንመናውሒ ዕድመ ስርዓቶምን፡ መደለቢ ካዝናኦምን ዝዓለመ ጥራሕ ኢዩ። በቲ ሽዑ ዝውህለል ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ የኻዕብቱ ፡ ቖፎኦም ይመልኡ፡ ኣብቲ ገንዘቡ ከፊሉ ዝተኣከበ ህዝቢ ከኣ ስውር ፈላላይ ሽርሕታቶም ይዝርግሑ ።

mksêHq ¢gAq …Igq|} …Hq|} ´}: B´©Ï} „íXqV} ÊEF¨M ‹X†§È ]Ds§‰…Dê: 

ኪሳዕ ፍትሕን ርትዕን እንረክብ ብቐጻሊ ንነብስና ኪንሓታ ዘለና ሕቶታት ኣሎ ። ስለምንታይ ቁጠባ ሃገር ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ? ስለምንታይ መነባብሮ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ? መንእሰያትና ስለምንታይ በጻምእን ባሕርን ይስደዱ ኣለው ? እሱራትና ስለምንታይ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ? ስለምንታይ ናይ ጽሑፍን ዘረባን ናይ እምነትን ምንቅስቓስን ናጽነት ዘይህሉ? ስለምንታይ ፡ ስለምንታይ፡ ስለምንታይ …..! መልሲ ዘድልዩ ኣዚዩ ብዙሕ ስለምንታያት ኣሎና ። ናጽነት ብዘይ ፍትሕን መሰልን ባርነት ምዃኑ ዝዘንጋዕናዮ ይመስል ።

ስለዚ ስለምንታይ ኢልና ንነብስና ንሕተታ? ዶባትና ከይተሓንጸጸሞ ……. ንእትብል መታለሊት መልሲ ህግደፍ ገዲፍና፡ ናይ ደለይቲ ፍትሒ መልሲ ሃሰው ንበል፡ እቲ ሓደን ቅኑዕን መልሲ ድማ ሃገር ብዲክታቶርያዊ ስርዓትን መራሕን ስለ ዝተታሕዘት ምዃኑ ነስተውዕል ። እዚ ዓመት መጽአ ብስም ፌስቲቫላት ንሳዕስዒት ጓይላን ዳንኬራን እንኸፍሎ ዘለና ገንዘብ ድማ መናውሒ ስቓይ ህዝብናን ኣሕዋትናን ከምዝኾነ ተረዲእና ካብ ምስታፍ ንቆጠብ ።

ኣብ ኣፍደገ እቲ ፈስትቫል ዝካየደሉ ቦታ ኮይንና ተቓውሞና ንግለጽ። 

The coronet ሓምለ (July) 1-2 2005, Elephant & Castle ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ምሸት።

ቦርድ ኤርትራውያን ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት - ዓባይ ብሪጣንያ

ሰነ 2005